Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ረቀቕቲ ኣዋጃት ምሕደራ ዳይነትን ኣቢያተ ፍርዲ ፌዴራልን ዘድሃበ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕጊ፣ ፍትሒንዴሞክራሲን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ረቀቕቲ ኣዋጃት ምሕደራ ዳይነትን ኣቢያተ ፍርዲ ፌዴራልን ዘድሃበ ዘተ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ ዘተ ፕዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ወይዘሮ መዓዛ አሸናፊ ሓዊሱ ካልኦት እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ኣካላት ተረኺቦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ሽዱሽተ ምዕራፋትን 47 ዓንቀፃትን ኣብ ዝሓዘ ረቂቕ ኣዋጅ ምሕደራ ዳይነት ዘተኮረ መበገሲ ፅሑፍ እናቐረበ ከምዝርከብ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እቲ ኣዋጅ ፀዲቑ ናብ ስራሕ ኣብ ዝኣትወሉ እዋን ድማ ልዕልነት ሕጊ ንኽኽበርን ኣቢያተ ፍርዲ ዝሐሸ እምነት ንኽረኽባ ዘኽእል ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.