Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሰብኣዊነትን ግደ ትካላት ሚዲያን ዘድሃበ መድረኽ ዘተ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ምስ ኣካላት ሚዲያ ኣብ ሰብኣዊነትን ግደ ትካላት ሚዲያን ዘድሃበ መድረኽ ዘተ የካየድ ኣሎ።

ዋና ፀሓፊ እቲ ማሕበር ኣይተ ጌታቸው ታኣ፥ ትካላት ሚዲያ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ካብ ምላሽ ሓደጋ ክሳብ ሰብኣዊ ልምዓት ዝገብሮም ኩለ መዳይ ተግባራት ስልታዊ ብዝኾነ ኣገባብ ነክፈልጡ ብምግባር ሰብኣዊ ተግባራት ማሕበራዊን ሃገራዊን ረብሓ ንክረኽቡ ዝገብሮ ፃዕሪ ክብ የብሎ ኢዩ ኢሎም።

ትካላት ሚዲያ ንምዕዋት መትከላት ቀይሕ መስቀል ዘለዎም ደገፍ ንከጠናኽሩ እውን ሓቲቶም።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸባ ሚኒስተር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ፥ ሰብኣዊነት ኣብ ዝጠልቡ ሃገራዊ ዛዕባታት ሚዲያ ዝነበሮ ግደ ልዑል ኢዩ ኢለን።

ብፈትያ ኣብደላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.