Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ፒኤስጂን ቦሩሲያ ዶርትሙንድን ናብ ፍርቂ ፍፃመ ሓሊፈን

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ትማሊ ምሸት ሰዓት 4:00 ኣብ ዝተኻየዱ ውድድራት ርብዒ ፍፃመ ሻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ፒኤስጂን ቦሩሲያ ዶርትሙንድን ናብ ፍርቂ ፍፃመ ሓሊፈን።

ባርሴሎና ኣብ ሜዳኣ ንፈረንሳዊት ጋንታ ፓሪስ ሴንት ዠርሜይን (ፒኤስጂ) ኣተኣናጊዳ 4 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ተሳዒራ።

ክልቲአን ጋንታታት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ፓሪስ ፓርክ ዴፕሪንስ ዝገበረኦ ፀወታ ባርሴሎና 3 ን 2 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር ዝተመለሰት ይኹን እምበር ብድምር ውፅኢት 6 ን 4 ብምስዓራ ካብቲ ሻምፒዮና ወፂኣ።

ብካሊእ መዳይ ስፔናዊት ጋንታ ኣትሌቲኮ ማድሪድን ጀርመናዊት ጋንታ ቦሩሲያ ዶርትሙንድን ኣብ ዝገበረኦ ናይ መልሲ ፀወታ ቦሩሲያ ዶርትሙንድ ኣብ ሜዳኣ ሲግናል ኢዱና ፓርክ 4 ን 2 ስዒራ።

ኣብ ቀዳማይ ዙር ፀወታ ቦሩሲያ ዶርትሙንድ ኣብ ሜዳ ኣትሌቲኮ ማድሪድ ዋንዳ ሜትሮፖሊታኖ 2 ን 1 ትሰዓር እምበር ትማሊ ብዝረኸበቶ ዓወት ብድምር ውፅኢት 5 ን 4 ብምስዓር ናብ ፍርቂ ፍፃመ ሓሊፋ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.