Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቀረብን ዝርገሐን ዘበናዊ ዱኽኢ (መዳበሪያ) ዝጠመተ ልዝብ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ሕርሻ ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2015/16 ዘሎ ቀረብን ዝርገሐን ዘበናዊ ዱኽኢ (መዳበሪያ) ዝጠመተ ምስ ናይ ክልል መዳርግቲ ኣካላት ልዝብ ይዝቲ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ሓለፍቲ ቢሮታት ክልላት ኦሮሚያ፣ ቤኒሻንጉል ጉሙዝን ህዝቢታ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ናብ ክልላት መዳበሪያ ዘጓዓዕዙ ትራንስፖርት ዝህቡን ዩኒየናትን እናተሳተፉ ይርከቡ።

ዩኒየናት÷ ንሓረስቶት እዋን ዘርኢ እናሓለፎም ይኹን እምበር እኹል መዳበሪያ እናቕረቡ ከምዘይርከቡ፤ በዚ ድማ ሓረስቶት ኣብ ስግኣት መፍረያይነት ከምዝርከቡ ኣልዒሎም።

ክነቕርብ ኢና ኢሎም ካብ ዝሓሰቡዎ መዳበሪያ ኣዚዩ ጥሑት ቁፅሪ ከምዝረኸቡን እቲ ዓውዲ ፀገም ከምዘንፀላለዎን እውን ሓቢሮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ብመፍረያይነቶም ልዑል ዝኾኑ ከባቢታ እውን ኣብ ስግኣት ፍርያትን መፍረያይነትን ከምዝኾኑ ተላዒሉ።

ሓረስቶት ኣብ እታወት ሕርሻ ዘዕበዩዎ ጠለብ፣ ፀገም ፀፅታ፣ ኣብ መዳበሪያ ዝተገበረ ድጎማ ብእዋኑ ዘይምትግባሩን ፀገማት ምጉዕዓዝን ብዝድለ መጠን ከይኣቱ ከምዝገበረ ተሓቢሩ።

ፍልፍሉ ብትኽክል ዘይፍለጥ ዘይሕጋዊ ዝውውር መዳበሪያ እውን ሕፅረት ንኸጋጥም ምኽንያት ኮይኑ ኢዩ ኢሎም ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ።

ብኣፈወርቅ እያዩ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.