Fana: At a Speed of Life!

ኣብ በጀት ዓመት 2014 ዓ.ም ሓፈሻዊ ሃፍቲ ዕቋር ባንኪታት 1 ነጥቢ 7 ትሪሊየን ብር በፂሑ-ዶ/ር ይናገር ደሴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ በጀት ዓመት 2014 ዓ.ም ሓፈሻዊ ሃፍቲ ዕቋር ባንኪታት 1 ነጥቢ 7 ትሪሊየን ብር በፂሑ ክብሉ ኣመሓዳሪ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ዶ/ር ይናገር ደሴ ገሊፆም።

ሴክተር ባንኪ ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ዝሓሸ ኣፈፃፅማ ከምዝተመዝገበ ተዛሪቦም።

ኣፈፃፅማ ማክሮ ኢኮኖሚ ቀዳማይ  ሚጀኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝተረኸብሉ ትማሊ ዝተገምገመ እንትኸውነ፥ ኣብቲ መድረኽ ዝሓሸ ኣፈፃፅማ ካብ ዝተርኣዮም ሴክተራት ዓውዲ ባንኪ ሓደ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ ዓውዲ ባንኪ፥ ብመጠን ዕቑር ሃፍቲ፣ ምምላስ ልቓሕን ካልኦት መለክዒታት ጥዕናዊነትን ዝሓሸ ኣፈፃፅማ ከምዝተመዝገበ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ ኣብ በጀት ዓመት 2014 ዓ.ም ሓፈሻዊ ሃፍቲ ዕቋር ባንኪታት 1 ነጥቢ 7 ትሪሊየን ብር በፂሑ ክብሉ ዶ/ር ይናገር ደሴ ተዛሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.