Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቤጂንግ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ንዝተመዛበሉ ወገናት ንምሕጋዝ ከምዝሰርሑ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቻይና ኣብ ቤጂንግ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ኣብ ቀፅ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራውያን ብምዃን በዓል ልደት ኣኽቢሮም።

እቶም ኢትዮጵያውያንን  ኤርትራውያንን ብሓባር በዓል ልደት ኣብ ዘኽበሩሉ እዋን ከምዝበሉዎ፥ ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዝተመርሐ ወግሪ ንህብረ ብሄራዊ ሓድነት ኣብ ሓፂር እዋን ብዝተረኸበ ዓወት ሓጎስ ተሰሚዑዎም ኢዩ።

እቲ ኲናት ብዘስዐቦ ጉድኣት ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታትን ካብ መረበቶም ንዝተመዛበሉ ወገናት ብሞያኦምን ብዝተፈላለዩ መገዲታትን ሓገዝ ንምግባር ከምዝሰርሑ እውን ገሊፆም።

በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ኣምባሳደር ተሾመ ቶጋ ኣብቲ ስነ ስርዓት ተረኺቦም ከምዝገለፁዎ፥ በቲ ግብረ ራዕዲ ጉድኣት ዝበፅሖም ወገናት ንምሕጋዝ ቀትሪን ለይቲን ምስራሕ ይግባእ።

ኣብ ቻይና ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት መብዛሕተኦም ተምሃሮ ዝውክሉን ኣብ ውልቀ ስራሕ ዝተዋፈሩን ኢትዮጵያውያን ከምዝርከቡ ካብቲ ኤምባሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.