Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ መምርሒ ዝተመሓየሸ መተግበሪ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ሕላፍ ሰዓትን ገደብን ተግባራዊ ምዃን ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ኣብ ትግራይ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ስራሕ ኣብ ዝፀንሐ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ሕላፍ ሰዓትን ገደብን መመሓየሺን መተግበሪ ኣዋጅን ብምድላው ተግባራዊ ምዃን ከምዝጀመረ ኮማንድ ፖስት እቲ ጊዚያዊ ምምሕዳር ኣፍሊጡ።

ኣባል እቲ ኮማንድ ፖስትን ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ እቲ ግዚያዊ ምምሕዳርን ኣይተ ኣበራ ንጉሴ፥ ኣብቲ ክልል ዘሎ ሰላም እናተመሓየሸ ምምፅኡ ስዒቡ ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓስ ብዝበለፀ ንክነቓቓሕ እቲ ኣዋጅ ንምምሕሕያሽ ኣድላዪ ኮይኑ ኢዩ ኢሎም።

ብፍላይ ሰራሕተኛታት ፋብሪካታትን ውልቀ ትካላትን ክሳብ ምሸት ስለ ዝሰርሑ እቲ ገደብ ሰዓት ክሳብ 2 ሰዓት ናይ ምሸት ንክኸውን ከምዝተመሓየሸ ገሊፆም።

እቲ መምርሒ ብዋናነት ዕለታዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ንምዕጋት ዓሊሞም ዝግበሩ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓሳት፣ ትካላት ንግዲ ምዕፃው፣ በለካ ለኽዓካ ምንዛሕ፣ ኣድማ ምግባር፣ ብዘይ ብቑዕ ምኽኒያት ካብ ስራሕ ናይ ምትራፍ ክልከላታት ዘካተተ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

እቶም ዝተገለፁ ክልከላታት ዝጠሓሱ ብገንዘብን እስራትን ንምቕፃዕ ዘኽእል ኮይኑ ከምዝተሰናድአ ሓቢሮም።

እቲ መምርሒ ካብ ቅድሚ ትማሊ ጀሚሩ ኣብ ኩሎም ከባቢታት እቲ ክልል ተግባራዊ ምግባር ከምዝጀመረ እውን ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.