Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ምርመራ ዝተገበረልም 21 ብቫይረስኮኖና ዝተጠርጠሩ ሰባት ውፅኢት ምርመረኦም ነፃ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢንስቲትዩት ምርምር ጥዕና ትግራይ ስራሕቲ ምርምራ ኮቪድ-19 ብዕሊ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ዝተቐበሎም 21 ጥሩጡራት ቫይረስኮሮና ዉፅኢቶም ካብቲ ቫይረስ ነፃ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ኢንስቲትዩት ሕብረተሰብ ቐንዲ ትኹረቱ ኣብ ወሰንቲ መከላኽሊ ሜላ እቲ ቫይረስ ክኸዉን ይግባእ ኢሉ።

ኣብ ትግራይ ሙሉእ ኣገልግሎት ምርምራ ኮቪድ -19 ቅድሚ ሒደት ማዓልቲ ብዕሊ ኣብ ኢንስቲትዩት ምርምር ጥዕና ትግራይ ምጅማሩ ይዝከር።

ዛጊድ እቲ ምርመራ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ትግራይ ካብ ዝጅመር ብሕማም ቫይረስኮሮና ናይ ዝተጠርጠሩ 21 ወገናት ውፅኢት ዝገለፁ ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት ደ/ር ተወልደ ዉባየሁ ዉፂኢቶም ድማ ካብቲ ቫይረስ ነፃ ምዃኑ ገሊፆም።

ኣብቲ ኢንስቲትዩት ዘሎ መመርመሪ ማሽን፥ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰዓት ናይ 90 ወገናት ብማዓልቲ ድማ ን270 ወገናት ዉፅኢት ምርምራ ከፍልጥ ዝኽእል ኢዩ እውን ኢሎም።

ደ/ር ተወልደ፥ ኣብ እታወታት ኣመልኪቱ ንዝለዓሉ ፀገማት ኣብ ምፍታሕ ምስ ኢንስቲትዩት ሕብረተሰብ ጥዕና ኢትዮጵያ ብሓባር ይሰርሑ ምህላዎም ተዛሪቦም።

ዛጊድ ነቲ ሕማም ክፍውስ ዝኽእል መድሓኒት ከምዘይተረኸበ ዝሓበሩ ደ/ር ተወልደ፥ ሀዝቢ ብወረያ ወረ ዝመፁ ዘረባታት ንጎድኒ ብምግዳፍ ሰብ ሞያ ጥዕና ንምኽልኻል እቲ ቫይረስ ዝህብዎ ማዕዳ ብዝግባእ ከተግብር ይግባእ ኢሎም።

ብፍላይ ምስ ምጥቃም ጎንቲ ኢድ ተዛሚዱ ብዘይስኽፍታ ምትንኻፍ ሰለዝህሉ እቲ ቫይረስ ከምመሰጋገሪ ከይኸውን ጥንቓቐ ምግባር ከምዝግባእ ሚዓዶም።

ብሓፈሻ ኣብ ትግራይ ብቫይረስ ኮሮና ተጠርጢሮም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተመርመሩ ሓዊስካ 76 ወገናት ብዝተገበረ ምርምራ ካብቲ ቫይረስ ነፃ ምዃኖም ከምዝተረጋገፀ ካብቲ ኢንስቲትዩት ዝተረኸበ መረዳእታ የረድእ።

ብሙሉጌታ ታደለ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.