Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ቁፅሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት 50 በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢንስቲትዩት ምርምር ጥዕና ትግራይ ትማሊ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣብ ክልል ትግራይ ብዝሒ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት 50 ከምዝበፅሐ ኣፍሊጡ።

እቲ ምርመራታት ብኢንስቲትዩት ምርምር ጥዕና ትግራይ ከምኡ ድማ ብዩንቨርሲቲ ኣክሱም እዩ ዝካየድ ዘሎ።

ኣብቲ ክልል ሓሙሽተ ሰባት ካብቲ ቫይረስ ዝደሓኑ እንትኾኑ፤ ንፈለማ እዋን እውን ሓደ ሞት ኣጋጢሙ ኣሎ።

ክሳብ ሕዚ ብብርኪ ሃገር 1 ሺሕን 172 ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም፤ 11 ሰባት ድማ ህይወቶም ሓሊፉ ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.