Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም ካብ 3 ሺሕ ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም ካብ 3 ሺሕ ከምዝዛየደ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ኣብ ትግራይ ክሳብ ትማሊ 15 ነሓሰ 2012 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ 40 ሺሕን 595 ሰባት ምርመራ ላቦራቶሪ ዝተገበረ እንትኸውን፥ 3 ሺሕን 46 ሰባት ድማ ቫይረስ ኮሮና ተረኸኺቡዎ ኣሎ።

ካብ ሞንጎ እዚኣቶም እቶም 1 ሺሕን 659 ሰባት አብ ማእኸል መሐከሚ እንትርከቡ፥ እቶም 30 ኣብ ቀሊል ክትትል ሕክምና፣ 13 ኣብ ፅኑዕ ክትትል ሕክምና 1 ድማ ኣብ ክትትል ከቢድ ፅኑዕ ሕክምና ከምዝርከቡ ተገሊፁ።

ክሳብ ሕዚ 1 ሺሕን 371 ሰባት ካብ ቫይረስ ኮሮና ዲሒኖም ናብ ገዝኦም ከምዝተፋነዉን ብምኽንያት እቲ ቫይረስ 16 ወገናት ህይወቶም ከምዝሓለፈን እውን እቲ ቢሮ ገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.