Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ኣብ ሓደ መዓልቲ 6 ሚሊየን ፈልሲታት ንምትካል ዝተትሓዘ መርሃ ግብሪ ተጀሚሩ  

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ትግራይ ኣብ ሓደ መዓልቲ 6 ሚሊየን ፈልሲታት ናይ ምትካል መርሃ ግብር ሎሚ መዓልቲ ተጀሚሩ።

ኣብ መቐለ ከባቢ ጮምዓ ኣብ ዝተገበረ ምትካል ፈልሲ ዝተረኸቡ ብምክትል ርእሰ ምምሕዳር መዓርግ ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ከተማን ንግዲን ኢንዱስትሪን ክልል ትግራይ ዶ/ር ኣብረሃም ተኸስተ፥ ኢኮኖሚን ማሕበራዊን ኩነታት እዛ ሃገር ዝጎድእ ዘሎ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ፈልሲ ብምትካል ምክልኻል ከምዝከኣል ተዛሪቦም።

ንዘበናት ብዝተፈላለዩ ምኽኒያታት ተጎሳቒሉ ዝፀንሐ መሬት ትግራይ ንምልማዕ ተፈጥሮ ሃፍቲ ቀዳምነት ዝገበረ ስራሕቲ ይስራሕ ከምዘሎ ዝሓበሩ ዶክተር ኣብረሃም፥ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ብዙሓት ክፋላት ሕብረተሰብ ይሳተፉ ከምዘለዉ ገሊፆም።

ፈልሲ ካብ ምትካል ብተወሳኺ ዘላቕነት ዘለዎ ክንክን ምግባር ወሳኒ ምዃኑ እውን ተሓቢሩ።

ኣብቲ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ጮምዓ ዝተገበረ መርሃ ግብሪ ልዕሊ 10 ሺሕ ፈልሲታት ዝተተኸሉ እንትኾኑ፥ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዝ ሰሜን፣ ሰራሕተኛታት ዩንቨርስቲ መቐለን ነበርቲ ከተማ መቐለን ተሳቲፎም ኢዮም።

ኣብ ክልል ትግራይ ኣብዚ ዓመት 80 ነጥቢ 6 ሚሊየን ፈልሲ ንምትካል ትልሚ ዝተትሓዘ እንትኸውን፥ ካብ 1 ሓምለ ጀሚሩ እቲ ተኸላ እናተሳለጠ ፀኒሑ ኢዩ ክብል ኢቲቪ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.