Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ኣብ ምንካይ ሞት ኣዴታትን ህፃናትን ትኹረት ተገይሩ ክስራሕ ኣለዎ ተባሂሉ

ኣዲስ አበባ፣ 07 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣብ ምንካይ ሞት ኣዴታትን ህፃናትን ትኹረት ገይሩ ክሰርሕ ከምዝግባእ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉደያት ማሕበራዊ ገሊፁ።

እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ፥ ኣፈፃፅማ ስራሕቲ ሽድሽተ ኣዋርሕ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ገምጊሙ።

ብመሰረት እዚ እቲ ቢሮ ኣብ ምምላእ ሓይሊ ሰብን ምጥንካር ልምዓት ጉጅለን ዝሰርሖም ዘሎ ስራሕቲ ዝነኣዱ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ይኹን እምበር ኣብ ቀረብ ኣፋዉስን መድሕን ጥዕናን ትሑት ኣፈፃፅማ ምህላዉ፣ ምጉታት ፕሮጀክትታት፣ በዓል ሞያ ጥዕና ብቕንዕናን ብተወፋይነት ኣብ ምግልጋልን ክፍተታት ከምዘለዉ በቶም ኣባላት ቀወምቲ ኮሚቴ ተገምጊሙ።

ብመሰረት እቲ ዝቐረበ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ፥  እቶም ኣባላት ዝተፈላለዩ ሕቶታትን ሪኢቶታትን ኣቕሪቦም ብዝምልከቶም ኣካላት መልሲ ተዋሂቡዎም ኢዩ።

 

ኣካቢት ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ማሕበራዊ ወይዘሮ ምህረት በርሀ፥ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ዘለዉዎ ብሉፃት ስራሕቲ ብምዕቃብ ሐዚ እዉን ኣብ ኣዋሃህባ ግልጋሎት ትካላት ጥዕና፣ ኣብ ምንካይ ሞት ኣዴታትን ህፃናትን ኣብ ምክልካልን ምቁፅፃርን ኤችኣይቪ ኤድስን ትኩረት ሂቡ ክሰርሕ ከምዝግባእ ኣገንዚበን።

ኢንስቲትዩት ምርምር ጥዕና ትግራይ ግቡእ ዉፅኢት ንኸመዝግብ፥ ኣብቲ ትካል ዝለዓል ናይ ኣወዳድባ ሕቶ ምስ ቢሮ ጥዕናን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ብምርድዳእ ክፍታሕ ከምዝግብኦ እዉን ኣብቲ ገምጋም ተሓቢሩ።

ፍልፍል፦ ቢሮ ርክብ ህዝብንመንግስትን ክልልትግራይ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.