Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ልዕሊ 85 ቢልየን ብር ካፒታል ንዘመዝገቡ ሰብ ሃፍቲ ፍቓድ ኢንቨስትመንት ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ 85 ነጥቢ 9 ቢልየን ብር ካፒታል ንዘመዝገቡ ሰብ ሃፍቲ ፍቓድ ኢንቨስትመንት ከምዝሃበ ኮምሽን ኢንቨስትመንት እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ኣብ ኮምሽን ኢንቨስትመንት ትግራይ ዳይሬክቶሬት ዳይሬክተር ሓደ ማእኸልን መተባብዒ ኢንቨስትመንትን ኣይተ ሃይለስላሰ ታደለ፥ እቶም ሰብ ሃፍቲ ንዘቕረብዎም 544 ፕሮጀክትታት ኢንቨስትመንት ፍቓድ ከምዝተውሃቦም ኣረዲኦም።

ፍቓድ ዝተውሃቦም ፕሮጀክትታት ኢንቨስትመንት፥ ንልዕሊ 83 ሽሕ ወገናት ዕድል ስራሕ ከምዝፈጥሩ ምግላፆም ብጉዳያት ኮሚኒኬሽን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ዝሕተም ጋዜጣ መቓልሕ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.