Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ካብ ባንኪ ዓለም ብዝረተረኸበ ልዕሊ 440 ሚልየን ብር ዝተዓደጉ ናውቲታት ትምህርቲ ይከፋፈሉ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቢሮ ትምህርቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ካብ ባንኪ ዓለም ብዝረኸቦ ልዕሊ 440 ሚልየን ብር ሓገዝ ገንዘብ ዝተዓደጉ ናውቲታት ትምህርቲ ከከፋፍል ምጅማሩ ኣፍሊጡ።

እቲ ምክፍፋል ብክፍለ ከተማ መቐለ ዝጀመረ እንትኸውን፥ ብቐፃልነት ናብ ካልኦት ወረዳታት ከምዝባፃሕ ሓላፊ እቲ ቢሮ ኪሮስ ጉዕሽ(ዶክተር) ገሊፆም።

መንበር መቐመጢ ተምሃሮን መምህራንን፣ ኮምፒተራትን ካልኦትን ዘካተቱ ናውቲታት ከምዝኾኑ እውን ተገሊፁ።

ኣብ ብርክት ዝበላ ኣብያተ ትምህርቲ ዘሎ ዝኸፍአ ሕፅረት ናዉቲ ኣብ ምቕራፍ  ልዑል ግደ ከምዘለዎም ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ብሰንኪ እቲ ዝነበረ ኲናት ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዘጋጠመ ዕንወት ከቢድ ብምዃኑ፥ ካልኦት እውን ኣሰር እቲ ቅዱስ ተግባር ክስዕቡ እቶም ሓላፊ ቢሮ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.