Fana: At a Speed of Life!

ኣብ  ትግራይ ዘበናዊ ድኹዒ ናብ ሓረስታይ ኣብ ምብፃሕ ሰብ ውልቀ ሃፍቲ ንክተሓባበሩ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ  ትግራይ ዘበናዊ ድኹዒ ናብ ሓረስታይ ኣብ ምብፃሕ ውልቀ ሰብ ሃፍቲ ንክተሓባበሩ ፃውዒት ቀሪቡ።
ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ትግራይ ከምዝበሎ፥ ኣብ  ትግራይ ዘበናዊ ድኩዒ ናብ ሓረስታይ ንምብፃሕ ፀገም መጓዓዝያ  ኣጋጢሙ ኣሎ።

ስለዝኾነ እታወት ሕርሻ ናብ ሓረስታይ ንምብፃሕ ውልቀ ሰብ ሃፍትን ወነንቲ ተሽከርከርቲ ኣብ ምጉዕዓዝ ንክተሓባበሩ እቲ ቢሮ ፀዊዑ።

ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ብርሃነ ኣርኣያ ኣብ ምምላእ ቀረብ እታወታት ሕርሻ ኣመልኪቶም ኣብዝሃብዎ መብርሂ፥ 300 ሽሕ ዘበናዊ ድኹዒ ናብ ሓረስታይ ንምብፃሕ ፀገም መጓዓዝያ  ኣጋጢሙ ኣሎ፡፡

ብኩሉ በዓል ሃፍቲ ነዚ ፀገም ተገንዚቡ ሓገዝ መጉዓዝያ ክገብር ፀዊዖም ክብል ኤመሓት ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.