Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራ ተወሰኽቲ 192 ሰባት ቫይረስ ኮሮና ተረኺብዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትግራ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ውሽጢ 1 ሺሕን 253 ሰባት ምርመራ ላብራቶሪ ተገይሩሎም 192 ሰባት ቫይረስ ኮሮና ከምዝተረኸቦም ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ማእኸል መሐከሚ ኣክሱም ኣብ ክትትል ሕክምና ዝነበራ ጓል 84 ዓመት ድማ በቲ ቫይረስ ህይወተን ከምዝሓለፈ እውን እቲ ቢሮ ገሊፁ።

ብኻሊእ መዳይ 22 ሰባት ካብ መቐለ፣ ሓደ ሰብ ካብ ኣክሱም ብድምር 23 ሰባት ድሒኖም ካብ ማእኸል መሐከሚ ቫይረስ ኮሮና ናብ ገዝኦም ተፋኒዮም እዮም።

ክሳብ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሎ ፀብፃብ፥ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ 33 ሺሕን 408 ሰባት ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ተገይሩ 1 ሺሕን 962 ሰባት ቫይረስ ኮሮና ተረኺብዎም።

ካብዚኦም ድማ እቶም 1 ሺሕን 116 ወገናት ኣብ ማእኸል መሐከሚ እንትርከቡ፥ 37 ኣብ ቀሊል ክትትል ሕክምና፣ 16 ኣብ ፅኑዕ ክትትል ሕክምና 1 ድማ ኣብ ክትትል ከቢድ ፅኑዕ ሕክምና ይርከቡ ከምዝርከቡ ተገሊፁ።

ክሳብ ሕዚ 832 ሰባት ካብ ቫይረስ ኮሮና ዲሒኖም ናብ ገዝኦም ዝተፋነው እንትኾኑ፥ ዛጊድ ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ናይ 14 ወገናት ሞት ኣጋጢሙ እዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.