Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፈ ተወሳኺ ሓደ ሰብ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፈ ተወሳኺ ሓደ ሰብ ተረኺቡ።

እቲ ወዲ 34 ዓመት ኢትዮጵያዊ 10 መጋቢት 2012 ዓ.ም ካብ ዱባይ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተወ ኢዩ ተባሂሉ።

ምልክታት ሕክምና ስለዝተርኣዮ 13 መጋቢት ናብ ትካል ጥዕና ከምዝኸደ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ እቲ ትካል ንኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ብመሰረት ዝሃቦ ሓበሬታ ብምርመራ ላብራቶሪ ቫይረስኮሮና ከምዘለዎ ምርግጋፁ ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ገሊፁ።

ስለዝኾነ ንበይኑ ኣብ መዕቖቢ ክፍሊ ብምእታው ክትትል ሕክምና ይግበረሉ ምህላዉን ኣብዚ ሐዚ እዋን ጥዕንኡ ደሓን ከምዘሎም ሚኒስትር ጥዕና ፌዴሪኢ ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ብተመሳሳሊ ምስቲ ሕሙም ርክብ ዝነበሮም 15 ሰባት ክትትል ሕክምና ይግበረሎም ከምዘሎ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ብድምር ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ቁፅሪ ሰባት 12 በፂሑ ኣሎ።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.