Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብድርቂ ንዝተጎድኡ ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምግባር ልዕሊ 2 ቢሊየን ዶላር ከምዘድሊ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ብድርቂ ንዝተጎድኡ ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምግባር ልዕሊ 2 ቢሊየን ዶላር ከምዘድሊ ቢሮ ምትሕብባር ሰብኣዊ ሓደዝ ወድብ ሕቡራት መንግስታት(ኢቻ) ኣፍሊጡ።

እቲ ቢሮ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ ንሓሙሽተ ተኸታተልቲ እዋናት ዝናብ ብዘይምዝናቡ ኣብ ደቡብን ምብራቕን ኢትዮጵያ ዝኸፍአ ደርቂ ከምዘጋጠመ ገሊፁ።

ብምኽኒያት እቲ ድርቂ ሕፅረት ምግቢ ከምዘጋጠመን ኣብዚ ሐዚ እዋን 24 ሚሊየን ዜጋታት ደርቂ ኣብ ዘጋጠመሎም ከባቢታት ከምዝነብሩ ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ ሓቢሩ።

11 ሚሊየን ሰባት ንፀገም ውሕስነት ምግቢ ተቓሊዖም ኢዮም ዝብል ግምት ዘሎ እንትኸውነ፥ ክሳብ ሐዚ ኣስታት  6 ነጥቢ 85 ሚሊየን እንስሳት እውን ምሟቶም ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ ኣብ ኢትዮጵያ ብድርቂ ንዝተጎድኡ ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምግባር ልዕሊ 2 ቢሊየን ዶላር ከምዘድሊ ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.