Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ 602 ሰባት ቫይረስኮሮና እንትርከቦም 981 ሰባት ድማ ድሒኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 6 ሺሕን 290 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 602 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 94 ሺሕን 820 ከምዝበፅሐ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ብኻሊእ መዳይ ትማሊ 6 ሰባት ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ እንትኾኑ፥ ብድምር ኣብ ኢትዮጵያ ብምኽኒያት ቫይረስኮሮና ህይወቶም ዝሰኣኑ ቁፅሪ ሰባት 1 ሺሕን 453 ከምዝበፅሐ እተን ሚኒስትር ኣፍሊጠን።

ኣብ ፀብፃብ 24 ሰዓታት 918 ሰባት ካብቲ ሕማም ዝሓሾም እንትኾኑ፥ ብድምር ክሳብ ትማሊ 49 ሺሕን 886 ሰባት ካብቲ ሕማም ከምዝሓሾም ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.