Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርገሐ ዓሌት ኮቪድ-19 ዴልታ ልዑል ጉድኣት እናስዐበ ይርከብ – ዶ/ር ደረጀ ዱጉማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዝርገሐ ዓሌት ኮቪድ-19 ዴልታ ልዑል ጉድኣት እናስዐበ ከምዝኾነ ሚኒስትር ዲኤታ ጥዕና ዶክተር ደረጀ ዱጉማ ተዛሪቦም።

ዶክተር ደረጀ ዱጉማ ብፍላይ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ፥ ምስፍሕፋሕ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ፣ ብፅኑዕ ዝሓሙን ህይወቶም ዝስእኑን ሰባት ቁፅሮም ንኽውስኽ ይገብር ኣሎ።

እቶም ሚስትር ዲኤታ፥ ቀንዲ ምኽንያ ምስፍሕፋሕ እቲ ዓሌት ዴልታ ኮሮና ቫይረስ ምዝሕሓል ጥንቃቐ መከላኸሊ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ህዝባዊ ኣኼባታት ምብዘሖምን ሕብረተሰብ ብዝድለ መጠን ክታበት ዘይምውሳዱ እውን ተወሳኺ ምኽንያታት ኢዮም ኢሎም።

ትማሊ ጥራሕ 38 ሰባት በቲ ቫይረስ ህይወቶም እንትስእኑ፥ ልዕሊ 750 ሰባት ድማ ብፅኑዕ ከምዝሓመሙ ተገሊፁ።

ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ዝሓለፉ 7 መዓልቲታት 182 ሰባት ኣብ ውሽጢ ማእኸላት ህይወቶም ሓሊፉ ተባሂሉ።

እቶም ሚኒስትር ዲዜታ፥ ዝፍራሕ ጉድኣት ከየጋጥም ሕብረተሰብ ባዕሉ ካብቲ ቫይረስ ንምሕላው ክውስን ከምዝግባእን ክታበት ክሰድ ከምዘድሊን ኣገንዚቦም።

ብትእግስት ስለሺ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.