Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ 1 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዓመት ዘቑፀረ ናይ ቅድመ-ሰባት ዝግልገሉሉ ዝነበረ መሳርሒ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቅድመ-ሰብ ትጥንቲ ቅድሚ 1 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዓመት ካብ ዓፅሚ ጉማሬ ፀሪቡ ዝግልገለሉ ዝነበረ መሳርሒ ኣብ ኢትጵያ መካነ ሓድጊ ኮንሶ ከምዝተረኸበ ተረጋጊፁ።

ብተመራመርቲ ጃፓንን ኢትዮጵያውያን ዝተረኸበ እቲ መገልገሊ መሳርሒ ብብዝሒ ዕድመን ጥበብ ኣሰራርሕኡን ክሳብ ሕዚ ካብ ዝተረኸቡ ሓድጊታት ዝለዓለ ምዃኑ ተገሊፁ።

ጉጅለ መፅናዕቲ ፓሊዎ-አንትሮፖሎጂ ኮንሶን በዓል መዚ መፅናዕቲን ሓለዋን ሓግዲታት ኢትዮጵያን ከምዝገለፁዎ፥ ውፅኢት ናይቲ ምርምር ኣብ መፅሄት ሳይንስ ኣካዳሚ ኣሜሪካ ንሕትመት በቒዑ።

ተመራመርቲ ከምዝብሉዎ ወዲ ሰብ መሳርሒታት ካብ እምኒ ፀሪቡ ምግልጋል ዝጀመረ ቅድሚ 2 ነጥቢ 6 ሚሊየን ዓመት ኢዩ።

ብፍላይ ድማ ካብ 1 ነጥቢ 7 ሚሊየን ክሳብ 200 ሺሕ ዓመታት ኣብ ዘለዉ እናት “አሹሊያን” ብዝተብሃሉ መገልገሊ መሳርሒታት እምኒ ይጥቀም ነይሩ።

“ሆሞ ኢሬክትስ” ዝተብሃለ ጥንታዊ ዘርኢ ወዲ ሰብ ቅድሚ 1 ነጥቢ 7 ሚሊየን ዓመት ጀሚሩ ኣብ መካነ ሓድጊ ኮንሶ መሳርሒታት ሰሪሑ ከምዝተገልገለ ብመፅናዕቲ ዝተረጋገፀ እንትኸውን፥ እቲ ናይ ሕዚ ምርምር ድማ ካብ ዳንጋ ጉማሬ ዝተሰርሐ ምዃኑ ተሓቢሩ።

13 ሴንቲ ሜትሮ ንውሓት ከምዘለዎ ዝተገለፀ እቲ ንመቑረፂ ዘገልግል መሳርሒ፥ ኢትዮጵያዊ ተመራማሪ ዶክተር ዮናስ በየነን ጃፓናዊ ተመራማሪ ዶክተር ጌን ሱዋን ብዝመርሑዎ ናይ ክልቲአን ሃገራት ጉጅለ ተመራመርቲ ኢዩ ክርከብ ክኢሉ።

እቲ ዝተረኸበ ሓድጊ ክሳብ ሕዚ ኣብ መካነ ሓድጊታት ኣፍሪካ ይኹን ኣውሮፓ ብዝተገበሩ መፅናዕቲታት ኣርኪኦሎጂ ካብ ዝተረኸቡ መሳርሒታት ብዕድመ ዝዓበየ፣ ንዘበናት ብፅቡቕ ኩነታት ተሓሊዩ ዝፀንሐን ጥበብ ኣሰራርሓ ዝተርኣየሉን ከምዝኾነ እውን ኣብቲ ዝወፅአ መግለፂ ተሓቢሩ።

ኣብ መካነ ሓድጊ ኮንሶ ቅድሚ 2 ሚሊየን ዓመት ጀሚሩ ጥንታዊ ቅሪታት ደቂ ሰባት፣ ኣብ ዓለምና ነዊሕ ዕድመ ዘቑፀሩ ኣሹሊያን ዝተብሃሉ መሳርሒታት እምኒን ኣብ ዝተፈላለዩ ቅሪት ኣካላት እንስሳትን መፅናዕቲታት ተኻይዶም ኢዮም።

እቲ ዕድሚኡ 1 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዓመት ዘቑፀረ ናይ ሕዚ ውፅኢት ምርምር ሓዊሱ ኣብቲ መካነ ሓድጊ ዝተረኸቡ ብዙሓት ሳይንሳዊ ምርምራት ንሕትመት ከምዝበቕዑ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.