Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ተጋሩ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ዛዕባ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተፈላለያ ክፍላተ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ተጋሩ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ዛዕባ ብምድሃብ ምስ ምምሕዳር እታ ከተማ ተዛቲዮም።

እቶም ተወለድቲ ትግራይ፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ዝወገነ ብምምሳል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘብፅሖ ፅዕንቶን በደልን ደው ከብል ይግባእ ኢሎም።

ህዝቢ ትግራይ ሰላም ዝደሊን ምስ ካልኦት ኣሓት ብሄር ብሄረሰባት ብምዃን ተስማዕሚዑ ዝነብረን ኢዩ ክብሉ እውን ገሊፆም።

ስለዝኾነ ዕላማ ንዘይብሉ ኲናት ሀዝቢ ይሳቐ ብምህላዉ መንግስቲ ክበፅሐሉ ይግባእ ክብሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ካብ ሰላማዊያን ዜጋታት ምፍላይ ከምዘድሊን ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ከምዘይደራደሩን ብምሕባር ምስ ካልኦት ህዝብታት ብምዃን ነቲ ጉጅለ ክንቃለሶ ኢና ኢሎም።

ካብ ኲናት ዝርከብ መፍትሒ የለን፤ ሰላም ብምሕራይ ህዝቢ ካብ ፀገም ምውፃእ ይግባእ ክብሉ እውን ተዛሪቦም።

ንመፃኢ ትውልዲ ሰላም እንበር ኲናት ኣይነውርስን፤ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ብምስላፍ ህዝቢ ትግራይ ይኹን ሃገርና ሰላም ንክትረክብ ሓድነትና ክንገልፅ ኢና ምባሎም ካብ ኮሚኒኬሽን ክፍላተ ከተማ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.