Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝግበር ምንቅስቓስ ከበድቲ ተሸከርከረቲ ምምሕያሽ ሰዓት ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝግበር ምንቅስቓስ ከበድቲ ተሸከርከረቲ ምምሕያሽ ሰዓት ተገይሩ።

ብመሰረት እዚ ካብ ንጉሆ ሰዓት ሰለስተ ጀሚሩ ክሳብ ድሕሪ ሰዓት 10ን ፈረቓን ክንቀሳቐሳ ከምዝኽእላ ተገሊፁ።

ካብዚ ብተወሳኺ ድማ ምሸት ካብ ሰዓት 12 ንደሓር ክንቀሳቐሳ ከምዝኽእላ ተወሲኑ ኣሎ።

ካብዚ ወፃእ ግን ከበድቲ ተሽከርከርቲ ካብ ንጉሆ ሰዓት 1 ክሳብ 3 ሰዓት፤ ከምኡ እውን ድሕሪ ሰዓት ካብ 10 ሰዓትን ፈረቓን ክሳብ ምሸት 12 ሰዓት ምንቅስቓስ ኣይኽእላን ተባሂሉ።

እቲ ምምሕያሽ ሰዓት፥ ዝተፈላለዩ ትካላት ብምኽንያት እቲ ተነቢሩ ዝነበረ ደረት ሰዓት ብፍላይ ስራሕቲ ህንፀት ንምስላጥ ንፅገም ኣለና ዝብል ቅርታታት ምቕራቦም ስዒቡ ዝተገበረ ምዃኑ ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ስለዝኾነ ድማ ምንቅስቓስትራፊክ ኣብ ፅዕንቶ ብዘየአቱ መልክዑ ምምሕያሽ ክግበር ከምዝኸኣለ ተገሊፁ።

ክሳብ ሕዚ ተነቢሩ ኣብ ዝነበረ ሓዱሽ ሕጊ፥ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከባ ከበድቲ ተሸከርከርቲ ካብ ንጉሆ ሰዓት ኣርባዕተ ክሳብ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 10 ጥራሕ ንኽንቀሳቐሳ ይፈቅድ ከምዝነበረ ይፍለጥ።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.