Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ 4ይ ፎረም ኢሬቻን ምድላው ድሮ በዓልን ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ብምትሕብባር ዘሰናድኡዎ 4ይ ፎረም ኢሬቻን ምድላው ድሮ በዓልን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

ፅባሕ ንዝኽበር በዓል ኢሬቻ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኢሬፈና ዝካየደሉ ቦታ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ኣጋይሽ ዝዓርፉሎም ከባቢታት ብምፅራይ ነቲ በዓል ድሉዋት ከምዝገበረ ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብታ ከተማ ምኽባር ካብ ዝጅምር ራብዓይ ዓመት ዝኾኖ ኢሬቻ÷ ሎሚ ዘበን ባህላዊ ክብሪታት፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ረብሓታት ትኹረት ክዝገብር።

ኣብቲ ምድላው መፅዕታዊ ፅሑፋትን ፓናል ዘተን ከምኡ እውን ነቲ በዓል ዝምልከቱ ስራሕቲ ኪነ ጥበብ ከምዝቐርቡ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ፎረም÷ ኣባ ገዳታት፣ ሃደ ሲንቄታት፣ ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፣ ርእሰ ምምሕዳረ ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳ ከምኡ እውን ሚኒስትራትን ዝተፈላለዩ ተወከልቲ ክልላትን ተረኺቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.