Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣፀባፅባ ምርጫ ዘድሃበ ስልጠና ንጋዜጠኛታት ይወሃብ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣፀባፅባ ምርጫ ዘድሃበ ስልጠና ንጋዜጠኛታት ውሽጢ ዓዲ ሎሚ መዓልቲ ይወሃብ ኣሎ።

እቲ ስልጠና “ዩ ኤስ ኤጀንሲ ፎር ግሎባል” ሚድያን ድምፂ ኣሜሪካን ኢዮም ኣሰናድአምዎ።

እቲ ስልጠና ኣብ ቀፃሊ ዝካየድ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ሰለማዊ፣ ተኣማኒን ዴሚክራሲያዊን ንክኸውን መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዝህልወን ግደ ዘድሃበ ኢዩ ተባሂሉ።

ሕብረተሰብ ሓቃዊ ዝኾነ መረዳእታ መሰረት ብምግባር ንክመርፅ ዝሕግዙ መረዳእታታት ንህዝቢ ክበፅሕዎ ምግባር ኣድላዩ ከምዝኾነ እውን ኣብቲ ስልጠና ተገሊፁ።

ኣብ እዋን ኣፀባፅባ ምርጫ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ፀገማትን መፈትሒታቶምን ብዝምልከት እውን ረብሓ ዘለዎም ልምዲታት ኣብቲ መድረኽ ተዘትዩሎም።

ብድምር ምርጫ ብዝምልከት ዝግበር ኣፀባፅባ፥ ሙያዊ ስነምግባር ዘቐደመ ምዃኑ ምርጫ ሰለማዊነትን ዴሞክራስያዊነትን ንክኸውን ዝህልዎ ግደ እውን ተራእዩ ኢዩ።

ብሃብታሙ ተክለስላሴ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.