Fana: At a Speed of Life!

ኣብ እስራኤል ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ መረፃ ፓርቲ ሊኲድ ይመርሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 24 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ እስራኤል ብዝተገበረ ሓፈሻዊ ምርጫ ክሳብ ሐዚ ብዘሎ ውፅኢት ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ቤንያሚን ኔታንያሁ ዝመርሕዎ ፓርቲ ሊኲድ ይመርሕ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ቦርድ ምርጫ እስራኤል ከምዝበሎ፥ ኣብ መላእ እታ ሃገር ድምፂ ካብ ዝተውሃበ እቲ ኣስታት ርብዒ ተቖፂሩ ኣሎ።

ብመሰረት እዚ ፓርቲ ሊኲድ 28 ነጥቢ 73 ብምርካብ ይመርሕ ከምዘሎ እቲ ቦርድ ኣፍሊጡ።

“ብሉን ዋይትን” ዝተብሃሉ “ጥምር” ፓርቲታት ድማ 23 ነጥቢ 26 ሚኢታዊ ብምርካብ ይስዕቡ ኣሎዉ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ቤንያሚን ኔታንያሁ ፓርቲ ሊኲድ ንምምራሕ ዓሊሙ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ምዕዋቶም ይዝከር።

ንብዙሕ ዓማዊቲ እስራኤል ዝመርሑ ወዲ 70 ዓመት ቀዳማይ ሚኒስትር ኔታንያሁ፥ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2012 ዓ.ም ብሰለስተ ጉዳያት ግዕዝይና ካብ ዝኽሰሱ ንደሓር ንዐዖም ዝጥዕም ጊዜ ከምዘየሕለፉ ይዝረብ።

እቲ ክሲ መሰረተ ቢስን ተንኮል ፖለቲካ ዝሓዘለን ኢዩ እውን ክብል ነፂገሙዎ ኢዮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.