Fana: At a Speed of Life!

ኣብ እዋናዊ ሃገራዊን ከተማዊን ዛዕባ ዝጠመተ ዘተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ እዋናዊ ሃገራዊን ከተማዊን ዛዕባ ዝጠመተ ዘተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተሳሊጡ።

ኣብቲ መድረኽ ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣደም ፋራህና ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣበቤ ተረኺቦም።

ኣብ መድረኽ ዘተ፥ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ለውጢ ኣብ ዘዐወተቶም ስራሕቲ፣ ውፅኢቶምን ዕንቅፋትን ከምኡውን መፍትሒታት መሰረት ዝገበሩ ሕቶታትን ርኢቶታትን ቀሪቡ።

ብተወሳኺ ኣብዚ ሐዚ ዘጋጥሙ ፈተናታት ከመይ ምሽጋር ከምዝግባእ ጠመተ ብምግባር ዓምዩቕ ዘተ ከምዝተገበረ ተሓቢሩ።

ኣዲስ ኣበባ ብዙሓት ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ብምህናፅ ፅባቐ እታ ከተማ ካብ ምቅያር ብተወሳኺ ኣብ ሰብ ተኮር ስራሕቲ ልምዓት ፀገማት ህዝቢ ምቅላል ዘኽኣሉ ውፅኢታት ምምዝጋቦም ከንቲባ ኣዳነች ገሊፀን።

እቶም ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ኣብ ትሕቲ ፈተና ብምዃን እኳ እንተኾነ ብጥበብ ህዝቢ ብምስታፍ ምምራሕ ከምዝተኽኣለ ተዛሪበን።

ተሳተፍቲ እቲ ኣኼባ ብግደኦም፥ እታ ከተማ ዘመዝገበቶም ውፅኢታት ኣመራርሓ ብእምነትን ፍልጠትን ስርሑ ምምራሕ ብምኽኣሉ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ካብእቶም ውፅኢታት ብምምሃር ንቐፃሊ ዝሓሸ ስራሕ ምስራሕ ከምዝግባእ ድማ ኣተሓሳሲቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.