Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ መቐለ ማእኸል ብምጥያሽ ሓገዝ ብቕርበት ናብ ወረዳታት ንኽበፅሕ ይግበር ኣሎ – ኣይተ ምትኩ ካሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ )ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ከተማ መቐለ ማእኸል ብምጥያሽ ሓገዝ ብቕርበት ናብ ወረዳታት ንኽበፅሕ እናተገበረ ምዃኑ ኮሚሽነር ብሄራዊ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኣይተ ምትኩ ካሳ ገሊፆም።

ቻታም ሀውስ ዝተብሃለ ዓለም ለኸ ትካል ምርምርን መፅናዕቲ ፖሊስን እንግሊዝ ለንደን ምስ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ዘተ መርበብ ሓበሬታ ኣካይዱ።

ኣብቲ ዘተ፥ ፈፀምቲ ስራሕ ወሰንቲ ዝበሃሉ ዓለም ለኸ ትካላትወሃብቲ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ዓለም ለኸ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት፣ ሓለፍቲ ስራሕ ትካላት ልምዓት ተኮር ኣፍሪካ ኣብ ብሪታኒያ፣ ዓለም ለኸ መራኸብቲ ሓፋሽ፣ ዓለም ለኸ ሰብ ሞያታት ተንተንቲ ጎንፂን ቅልውላውን ከምኡ እውን ኣብ ኣፍሪካ ትኹረት ገይሮም ዝሰርሑ ትካላት ሓዊሱ ልዕሊ 500 ተሳተፍቲ ተረኺቦም፡፡

ኮሚሽነር ኣይተ ምትኩ ካሳ፥ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ምዝዛሙ ስዒቡ ኣብ ቀዳማይ ዙር 4 ነጥቢ 5ሚሊየን ዜጋታት ሓገዝ ምግቢን ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑን ሓገዛት ከምዝተገበሩ፣ ኣብ ካልኣይ ዙር ድማ ን2 ነፅቢ 7 ሚሊየን ዜጋታት ተመሳሳሊ ሓገዝ እናተገበረ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

መንግስቲ ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝኸውን ብር 3 ነጥቢ 7 ቢሊየን ወፃኢ ወፃኢ ከምዝገበረ እውን ተዛሪቦም፡፡

ካብ ውሽጢ ዝተገበረ ሓገዝ፥ እቲ 70 ሚኢታዊ ካብ መንግስቲ፤ 30 ሚኢታዊ ድማ ካብ ዓለም ለኸ ትካላት ዝተሸፈነ ከምዝኾነ እቶም ኮሚሽነር ገሊፆም፡፡

ገበርቲ ሰናይ ትካልት ይኹኑ መራኸብቲ ሓፋሽ ንሚኒስቴር ሰላም ብምፍላጥ ጥራሕ ናብቲ ክልል ምእታው ከምዝኽእሉ ኣፍሊጦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ከተማ መቐለ ማእኸል ብምጥያሽ ሓገዝ ብቕርበት ናብ ወረዳታት ንኽበፅሕ እናተገበረ ይርከብ ዝበሉ ኣይተ ምትኩ፥ ብሚኒስቴር ጥዕና ብሓገዝ ዝተውሃቡ መሳርሒታት ሕክምና፣ ኣፋውስን ኣምቡላንሳትን ምስ ቢሮ ጥዕና ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ብምትሕብባር ኣብ ወረዳታት ተንቀሳቐስቲ ማእኸላት ሕክምና ኣጣይሾም ኣድላዪ ሓገዝ እናገበሩ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.