Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ሽረ እንዳ ስላሰ ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ንግድን ተሽከርካሪን ምንቅቓሕ ይፈጥር ኣሎ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ሽረ እንዳ ስላሰ ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ንግድን ተሽከርካሪን ምንቅቓሕ ይፈጥር ኣሎ ክብሉ ነበርቲ እታ ከተማ ሓቢሮም።

ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዝነበረ ኲናት ስዒቡ ተቛሪፁ ዝነበረ ኣገልግሎት መጓዓዚያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ተጀሚሩ ኣሎ።

ስለዝኾነ ንፋና ብሮድካስቲግ ኮርፖሬት ሪእይቶኦም ዝሃቡ ነበርቲ እታ ከተማ ከም ዝሓበርዎ፥ እቲ ኣገልግሎት ናብ ስሩዕ ምምላሱ ኣብ ኢኮኖሚ ምንቕቓሕ ይፈጥር ኣሎ።

ወሃብቲ ኣገልግሎት ትራንስፖርት እቲ ኣገልግሎት ብምቁራፁ ምኽኒያት ንፀገም ተቓሊዖም ከምዝነበሩ ብምግላፅ፥ እቲ ዝተገበረ ስምምዕነት ሰላም ስዒቡ ግን ናብ ስሩዕ ስረሖም ከምዝተመለሱ ኣረዲኦም።

ነጋዶን ኣሽከርከርቲ መኪናን ባጃጅን ናብ ስሩዕ ስራሕቶም ብምምላሶም ተረባሕቲ ይኾኑ ከምዘለው እውን ኣብሪሆም።

በዚ ድማ ሓፈሻዊ ምንቅስቓስ እታ ከተማ ምዕባለታት  ከምዘሎዎ ሓቢሮም።

ብብርኽቲ ማህተም

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.