Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ኣጋሮ ን6ይ ሃገራዊ መረፃ ዝግበር ቅድመ ምድላው ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 ሰነ፣ 2013 ፣ (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ጂማ ከተማ ኣጋሮ ን6ይ ሃገራዊ መረፃ ዝግበር ቅድመ ምድላው ከምዝተዛዘመ መተሓባበሪ ቦርድ መረፃ እታ ከተማ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኣጋሮ ከተማ ጎማ ክልል መረፃ 2፥ ቀዳማይ ኣቢይ ኣሕመድ ሓዊሱ ኣባላት ፓርቲታት ኢዜማን እናትን ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝወዳደሩ ሕፁያት ክወዳደሩ ኢዮም።

ኣብቲ ክልል መረፃ 85 ጣቢያታት መረፃ ዝርከባ እንትኾና፥ ኣብ ኩለን ጣቢያታት መረፃ ኣድለይቲ ምድላዋት ከምዝተገበሩ መተሓባበሪ ክልል መረፃ ክልተ ጎማ ኣይተ ረሻድ ዓብዱልቃድር ተዛሪቦም።

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝተወሰኑ ጣቢያታት መረፃ ብዝገበሮ ዑደት፥ ምስጢራዊ መውሃቢ ድምፂ ቦታታት ከምዝተዳለዉን ካልኦት ንመረፃ ዘድልዩ እታወታት እናቐረቡ ከምዝኾኑ ተዓዚቡ።

ነበርቲ ከተማ ኣጋሮ እውን መረፃ ኣብ ዝካየደሉ ዕለት ንጉሆ 12 ሰዓት ጀሚሮም ኣብ ጣቢያታት መረፃ ብምርካብ ይኾነና ንዝበሉዎ ፓርቲ ድምፆም ከምዝህቡ ገሊፆም።

ብሙክታር ጠሃን ኣፈወርቅ ኣለሙን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.