Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ጋምቤላ ለውጢ ዝድግፍ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ጋምቤላ ለውጢ ዝድግፍ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ ሰልፊ መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ሓዊሱ ኣብ ከተማ ጋምቤላን ከባቢኣን ዝነብሩ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ይሳተፉ ኣለዉ።

እቶም ነበርቲ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ እናምፅኡዎ ዝርከቡ ሃገራ ለውጢን ሓድነት ሃገርን ዘበረታትዑ ጭርሖታት ብምሓዝ ዘለዎም ድጋፍ ገሊፆም።

ብኣምር ምድማር ጉዕዞ ብልፅግና ቀፃሊ ንምግባር ዝገብሩዎ ሓገዝ ኣበርቲዖም ከምዝቕፅሉ ምግላፆም እውን ግዜኢ ፀብፂቡ።

ብተመሳሳሊ ነበርቲ ከተማታትን ወረዳታትን ዞባ በደሌ፣ ምዕራባዊ ዞባ ኣርሲ፣ ከተማ ሻሸመኔ ከምኡ እውን ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ሃረርጌን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ለውጢ ብምድጋፍ ሰልፊ እናካየዱ ይርከቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.