Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኩሉ ቦታ ንዝበፅሐ መጥቃዕቲ መንግስታት ክልልን ፌዴራልን ብምውዳድ ስጉምቲ ይውሰዱ ምህላዎም ቀ/ሚ ኣቢይ ኣፍሊጦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኩሉ ቦታ ንዝበፅሐ መጥቃዕቲ መንግስታት ክልልን ፌዴራልን ብምውዳድ ስጉምቲ እናወሰዱ ምዃኖም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣፍሊጦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ዝበፅሐ መጥቃዕቲ ብምኹናን ዝተሰመዖም ዓሚቕ ሓዘን ንስድራ መወትትቲን መላእ ኢትዮጵያውያንን ገሊፆም፡፡

ኣብ ማሕበራዊ ትዊተር ገፆም፥ “ዓለምና ብለበዳ ሕማም ተጨኒቓ መፍትሒ ኣብ ተተኣላልሸሉ እዋን፤ ኮነ ኢሎም ኣብ ልዕሊ ሰባት መከራን ስቓይን ዝውስኹ ውል ሰባትን ጉጅለታትን ኣብ ንደልያ ኢትዮጵያ ቦታ የብሎምን” ክብሉ ገሊፆም።

“ፀላእትና ብውሽጢን ብደገን ተዋዲዶም ንፁሃን ዜጋታትና ብምቕታል ዝጀመርናዮ ጉዕዞ ንምስቓቕን ካብ መገዲና ንምውፃእን ፃዕሪ ይገብሩ ኣለዉ” ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር መስዋእቲ እናተኸፈለ እውን እንተኾነ ሓድነት ኢትዮጵያ ብምጥንኻር ጉዕዞኦም ከምዝቕፅሉ ኣብሪሆም።

መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ናብ መፃወዲያ ሓይሊታት ጥፍኣት ንዘይምውታው ብምስትውዓል እናተጓዓዘ፣ ኣብ ከምዚ ዝበሉ ጉዳያት ምስ መንግስቲ ተሓባቢሩ ጥፍኣተኛታት ናብ ሕጊ ንምቕራብን መጥቃዕቲታት ጠጠው ንኽብሉ ብምትሕብባርን ክሰርሕ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ኢትዮጵያ ብመስዋእትነት ደው ዝበለት፤ ብመስዋእትነት ትቕፅል ሃገር ኢያ ዝበሉ ዲክተር ኣቢይ ኣብ መልእኽቶም፥ “ብመንፈስ ምትሕብባርን ሓድነትን ፀላእቲ ኢትዮጵያ ዳግም ከይለዓሉ ገይርና ክነጥፈኦም ይግባእ” ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.