Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክሊ ምኽባር ሕጊ ማሕበረሰብ ዓለም ብምርዳእ ዕዉት ዲፕሎሚያስያዊ ስራሕ ተሰሪሑ ኢዩ-ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊን ህልውናን ብዝምልከት ንማሕበረሰብ ዓለም ብምርዳእ ዕዉት ዲፕሎሚያስያዊ ስራሕ ተሰሪሑ ኢዩ ክብል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፥ ቀንዲ ዕላማታትን ካልኦት ዛዕባታትን እቲ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ  ብዝምልከት ሎሚ መዓልቲ መግለፂ ሂቦም።

ከም ኣገላልፃ እቶም ኣቐባሊ ቃል፥ ብፍላይ ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ፌዴሪኢ ኣይተ ደመቀ መኮነን ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሃገራር ኣፍሪካን ኣውሮፓን ዝገበሮም ዲፕሎማሲያዊ ስራሕቲ ዕዉታት ተሰሪሖም ኢዮም።

እቶም ኣምባሳደር ዜጋ ተኮር ኣብ ዝኾነ ዲፕሎማሲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ፀገም ዝነበሩ ዜጋታት ናብ ኢትዮጵያ ናይ ምምላስ ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ተዛሪቦም።

ናብ ሱዳንን ዝተመዛበሉ ዜጋታት በዝምልከት ናብ ሃገሮም ንምምላስ ቁፅሪ ተመዛበልቲ፣ ማንነት፣ ኣበይ ከምዝርከቡን ካልኦት ሓበሬታታትን ንምፅራይ መስ ኤምባሲ ሱዳን ይስራሕ ከምዘሎ ኣብሪሆም።

ብለይኩን ኣለም

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.