Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ሶማሌ ዘይሕጋዊ መሳርሒታት ኲናት እናዘዋወሩ ዝነበሩ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ሶማሌ ዘይሕጋዊ መሳርሒታት ኲናት እናዘዋወሩ ዝነበሩ ተጠርጠርቲ ትማሊ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም።

ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማሌ ኣብ ጥቓ ከተማ ጅግጅጋ ኣብ ዝርከብ ጣቢያ መቆፃፀሪ መጋሎቀረን ብዝገበሮ ሃንደበታዊ ፍተሻ፥ ብዶብ ቶጎጫሌ ኣቢሎም ብዘይሕጋዊ መገዲ ኣብ ሓንቲ ተሸከርካሪት ተሓቢኦም እናኣተዉ ዝነበሩ 39 ሽጉጣትን እቶም ተጠርጠርቲን ክተሓዙ ከምዝኸኣሉ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ፥ ዘይሕጋዊ መሳርሒ ኲናት ሒዞም ዝተረኸቡ ሰለስተ ተጠርጠርቲን ሓንቲ ተሸከርካሪትን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከውዕል ከምዝኸኣለ ንፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ፀሪሑ ትካል ሬዲዮን ቴሌቪዥንን ክልል ሶማሌ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.