Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ብኢንቨስትመንት ሕርሻ ተዋፊሮም ዘየልምዑ 29 ሰብሃፍቲ ፍቓዶም ተቛሪፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ብኢንቨስትመንት ሕርሻ ተዋፊሮም ዘየልምዑ 29 ሰብሃፍቲ ፍቓዶም ከምዘቛረፀ ቦርድ ኢንቨስትመንት እቲ ክልል ገሊፁ።

እቲ ቦርድ ኢንቨስትመንት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሳለጦ ኣኼባ፥ ኣብ ኢንቨስትመንት ሕርሻ ተዋፊሮም ናብ ልምዓት ዘይኣተዉ 29 ሰብ ሃፍቲ ፍቓዶም ሙሉእ ብሙሉእ ንኽቋረፅ ውሳነ ኣመሓላሊፉ ኢዩ።

ፍቓዶም ዝተቛረፀሎም ሰብሃፍቲ ኣብቲ ክልል ብሕርሻ ኢንቨስትመንት ንምውፋር ብመሰረት ዝወሰዱዎ ፍቓድ፥ ዝተውሃቦም መሬት ዘየልምዑ ከምዝኾኑ ካብ ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እቶም ሰብሃፍቲ ብመሰረት ዘኣተዉዎ ውዕሊ ንኅልምዑ ተደጋጋሚ መጠንቀቕታ ዝተውሃቦም ይኹ እምበር ከልምዑ ከምዘይከኣሉ ኢዩ እቲ ቦርድ ገሊጹ ዘሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.