Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝንቀሳቐሱ ዝተፈላለዩ ፓርቲታት ፖለቲካ ምስ መረፃ ተተሓሒዙ ንዝለዓሉ ፀገማት ሕገመንግስታዊ ዘይኮነ መፍትሒ ከምዘይቕበሉ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝንቀሳቐሱ ዝተፈላለዩ ፓርቲታት ፖለቲካ ምስ መረፃ ተተሓሒዙ ንዝለዓሉ ፀገማት ሕገመንግስታዊ ዘይኮነ መፍትሒ ከምዘይቕበሉ ገሊፆም።

እቶም ፓርቲታት ካብ ፓርቲ ወይ እውን ካብ ጉጅለኣዊ ኣተሓሳስባ ብምውፃእ ኢትዮጵያ ኣጋጢሞምዋ ዘለዉ ፀገማት ንምፍታሕን ሃገራዊ ለውጢ ንምቕፃልን ተሓጋጊዞም ከምዝሰርሑ ኣፍሊጦም።

ዴሞክራሲያዊ ግንባር ኦሮሞ (ኦዴግ)፣ነፃነት ግንባር ሓድነት ኦሮሞ (ኦኣነግ)፣ ነፃነት ግንባር ሕቡራት ኦሮሞ (ነግሕኦ)ን ሓርነት ፓርቲ ኦሮሞ (ሓፓኦ)ን ኣብ እዋናዊ ሃገራዊን ክልላዊን ጉዳያት ኣድሂቦም ተዛቲዮም።

ኣብቲ ዝገበሩዎ ዘተ፥ ኮቪድ-19፣ ብምኽንያት ግድብ ህዳሰ ኣንፀላሊዩ ዘሎ ሉኣላዊ ሓደጋ፣ ብኮቪድን ካልኦትን ምኽንያታት ክፍጠር ዝኽእል ኢኮኖሚያዊ ውድቀትን ኣብዚ ዓመት ንኽካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ መረፃ 2012 ዓ.ምን ናይዛ ሃገር ፈተናታት ኮይኖም ከምዝተፈለዩ ተገሊፁ።

እቶም ፀገማት ዝተሓባበረ ዓቕሚ ዝሓቱ ምዃኖም ዝሓበሩ እቶም ፓርቲታት፥ ካብ ፓርቲ ወይ እውን ካብ ጉጅለኣዊ ድሌት ብምወርፃእ ፀገማት እዛ ሃገር ንምፍታሕን ሃገራዊ ለውጢ ንምቕፃልን ብሕብረት ንምስራሕ ከምዝተስማዕምዑ ገሊፆም።

ካብዚ ብተወሳኺ መንግስቲ ናይ ሓባር ስራሕቲ ኣዋዲዱ ብምስራሕ ካብኡ ትፅቢት ዝግበር ሕጋዊን ሞራላዊን ሓላፍነት ብግቡ ክዋፃእ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.