Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዘይሕጋዊ ኣዘዋወርቲ ሰባት ናብ ሕጊ ኣብ ምቕራብ ጥንኩር ኣፈፃፅማ ከምዝተመዝገበ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዘይሕጋዊ ዝውውር ህፃት ብምክትታልን ዘይሕጋዊ ኣዘዋወርቲ ሰባት ናብ ሕጊ ብምቕራብን ጥንኩር ኣፈፃፅማ ከምዝተመዝገበ ፖሊስ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚሽን ካብ ህዝብቢን መንግስቲን ዝተውሃቦ ልኡኽቶ ንምውፃእ ምስ ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ተዋዲዱ ብምስርሑ ዝበረታታዕ ውፅኢት እናምፀአ ምዃኑ ገሊፁ፡፡

ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል ኣፈፃፅማ ስራሕ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕን ዝተኸለሰ ትልሚ ቀፃሊ ሽዱሽተ ኣዋርሕን ዘድሀበ ዘተ የካይድ ኣሎ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል ፍስሃ ጋረደው ኣብቲ መድረኽ ከምዝገለፁዎ÷ እቲ ኮሚሽን ንህዝቢ ዝምጥን ግልጋሎት ንመሃብ ዘኽእል ኣሰራርሓ ዘርጊሑ።

ሓጋዚ ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል እንዳለ ኣበራ ብግደኦም÷ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ተግባር ምክልኻ ገበን ዝበረታታዕ ስራሕ ከምዝተወገነ ገሊፆም።

ብፍላይ ዝውውር ዘይሕጋዊ መሳርሒ፣ ኮንትሮባንድ ንግዲ ኣብ ምቁፅፃር፣ ዝውውር ዘይሕጋዊ ህፃት ብምክትታል ከምኡ እውን ዘይሕጋዊ ኣዘዋወርቲ ናብ ሕጊ ኣብ ምቕራብ ጥንኩር ኣፈፃፅማ ከምዘሎ ኣብሪሆም።

ብማህሌት ኡኩሞን መለሰ ታደለን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.