Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ደቡብ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምንካይ ን3 ሺሕን 642 ተሃነፅቲ ምሕረት ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንመዕጋት ዝተፈላለዩ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኣቢያተ ህንፀት ዝርከቡ ክፋላት ሕብረተሰብ በቲ ሕማም ከይጥቅዑ ንምክልኻል 3 ሺሕን 642 ተሃነፅቲ ብምሕረት ንኽፍትሑ ተወሲኑ ኣሎ።

ኣብቲ ክልል፥ እቲ ሕማም ንምክልኻልን ተዛመድቲ ተግባራትን ተባሂሎም ካብዝካየዱ ኣኼባታት ወፃእ ካልኦት ኣኼባታት ከይካየዱ፣ ናይ ጭፈራ ገዛውቲን እንዳ መስተን ንኽዕፀዉ እውን ውሳነ ተመሓላሊፉ ኢዩ።

ብተወሳኺ ማሕበራዊ ግልጋሎታት፤ ከም መርዓ ዝበሉ መግለፂ ሓጎሳት ክካየዱ ከምዘይግባእ ዝተወሰነ እንትኸውን፥ ሓዘን ኣብ ዝፍጠረሉ እዋን ድማ ብጥንቃቐ ክፍፀሙ ከምዝግባእ ተገሊፁ።

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ኣብቲ ክልል ወሰኽ ዋጋ ሸቐጣት ዝገበሩ 899 ትካላት ንግዲ ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ካብ ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.