Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ጋምቤላ “ተረባሕነትን ተሳትፎን ደቂ ኣንስትዮ ንኩለመዳይ ምዕባለ” ብዝብል መሪሕ ቃል መድረኽ ዘተ ደቂ ኣንስትዮ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 24 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ጋምቤላ “ተረባሕነትን ተሳትፎን ደቂ ኣንስትዮ ንኩለመዳይ ምዕባለ” ብዝብል መሪሕ ቃል ብፓርቲ ብልፅግና ጋምቤላ ዝተዳለወ መድረኽ ዘተ ደቂ ኣንስትዮ ተኻይዱ።

ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኡሞድ ኡጁሉ፥ ዜጋታት ብሕ-ገመንግስቲ ዝተቐመጠሎም መሰል ብምጥቃም ብኹሉ ዓውዲ ዝተመዝገቡ ለውጢታት ብምሕላውን ረብሓን ድሌትን ናይ ሎሚን መፃኢን ወለዶ ንምርግጋፅ ብዕቱብ እናተሰርሐ ኢዩ ኢሎም፡፡

ኣብ ኣምር “ምድማር” ዝተመርኮዘ ኩለመዳይ ምንቅስቓስ ለውጢ፤ ዘላቒን ዘተኣማምንን ብምግባር እዛ ሃገር ዝጀመረቶ ጎደና ዕቤት ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ እውን ኣፍሊጦም።

ዝማዕበለት ህብረ-ብሄራዊት ሃገር ኣብ ምህናፅ ከይዲ ፅዕንቶ ፈጠርቲ ደቂኣንስትዮ ንምፍጣር ውዳበ ደቂኣንስትዮ ምጥንኻር ወሳኒ ምዃኑ እውን ተዛሪቦም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ክልል ጋምቤላ ኣይተ ላክዴር ላክባክ ብግደኦም፥ኩለመዳይ ተረባሕነት ደቂኣንስትዮ ንምርግጋፅ መንግስቲን ፓርቲ ብልፅናን ፖሊስን ስትራቴጂን ሓንፂፆም ተግባራዊ እናገበሩ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

ኣብዛ ሃገር ዝግበሩ መረፃታት ደቂኣንስትዮ ብምርምራፅ ይኹን ኣብ ውድድር ተሳታፍነተን እናወሰኸ ምስ ምምፅኡ ተተሓሒዙ ኣብዚ ሓመት ዝካየድ ሃገራዊ መረፃ ብፅሒተን 50 ሚኢታዊ ከምዝገበረ እውን ገሊፆም፡፡

እቲ መረፃ ፍትሓዊ፣ ሰላማዊን ዴሞክራሲያዊን ኮይኑ ንኽዛዘም ደቂ ኣንስትዮ ናይ ባዕለን ሓላፍነት ክዋፃኣ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.