Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ወልድያ፣መርሳ፣ ውጫሌን ከባቢኡን ዝርከባ ከተማታት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝተቛረፀ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኣብ ተሸካሚ 66 ኪሎ ቮልት መመሓላለፊ መስመር ኤሌክትሪክ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣብ ወልድያ፣ መርሳ፣ ውጫሌን ከባቢኡን ዝርከባ ከተማታት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝተቛረፀ ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክልል ኣምሓራ ኣፍሊጡ።

ካብ ጣቢያ መከፋፈሊ ደሴ ክሳብ ጣቢያ መከፋፈሊ ወልዲያ ብዝተዘርገሐ ተሸካሚ 66 ኪሎ ቮልት መተሓላለፊ መስመር ኤሌክትሪክ ኣብ ከባቢ ወረዳ ሃብሩ ከባቢ ቀበሌ ቀርጨም በር ዝርከብ ኣርባዕተ ቀዋሚ ዓምዲ ብዘይተፈለጠ ምኽንያት ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ሙሉእ ብሙሉእ ብምቅፃሎም እቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተቛሪፁ ኢዩ፡፡

ዓምዲታት ብምትካእ እቲ ኣገልግሎት ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ልዑል ርብርብ እናተገበረ ከምዝኾነ ዝገለፀ እቲ ኣገልግሎት፥ ህዝቢ ብትዕግስቲ ንኽፅበ ሓቲቱ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.