Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ወረዳ ኣዳባ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት 7 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ምዕራብ ኣርሲ ወረዳ ኣዳባ ትማሊ ምሸት ኣስታት ሰዓት 2፡00 ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት 7 ሰባት ሓሊፉ።

ሓላፊ ክፍሊ ትራፊክ እቲ ዞባ ኮማንደር ከማል ኣማን፥ እቲ ሓደጋ ዘጋጠመ ካብ ጉብሳ ናብ ኣዳባ እኽሊ ብምፅዓን እንትጓዓዝ ዝነበረ ተሽከርካሪ ፍሬን ብምብጣሱ ምኽኒያት ብምግልባጡ ኢዩ ኢሎም።

ብሰንኪ እቲ ሓደጋ፥ ሹፌር፣ ሓጋዚኡን ኣብ ላዕሊ ዝነበሩ ተሳፈርቲን ሓዊሱ ሸውዓተ ሰባት ህይወቶም ስኢኖም።

ኣብ ልዕሊ ክልተ ሰባት እውን ከቢድ ጉድኣት ከምዘጋጠመ እቶም ሓላፊ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም።

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.