Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ወርሒ መስከረም ጥራሕ ሕጊን ደምቢን ትራፊክ ዝተመሓላላፉ ልዕሊ 10 ሺሕ ኣሽከርከርቲ ተቐፂዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፈ ውርሒ መስከረም ጥራሕ ሕጊን ደምቢን ትራፊክ ዝተመሓላላፉ 10 ሺሕን 711 ኣሽከርከርቲ ከምዝቐፅዐ ኤጀንሲ ማናጅመንት ትራፊክ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ኤጀንሲው በመስከረም ወር ብቻ የትራፊክ ህግ እና ደንብን ለማስከበር ባደረገው የቁጥጥር ስራ 10 ሺህ 711 የትራፊክ ደንብ የተላላፉ አሽከርካሪዎች መቅጣቱ ታውቋል፡፡

እቲ ኤጀንሲ ሕጊ ትራፊክ ንምኽባር ኣብ ዝገበሮም ስራሕቲ ቁፅፅረር፥ ጠጠው ምባል ኣብ ዘይግባእ ቦታ ጠጠው ምባል፣ ጥሕሰት መብራሕቲ ትራፊክ፣ ብዘይተፈቐደ ተፃራሪ ኣንፈት ምሽክርካር፣ ኣብ ፌርማታ ጠጠው ምባል፣ ኣብ ኣደባባይን መብራህቲ ትራፊክ ቦታታትን ዕድጊት ምፍፃም፣ ኣብ ዜብራን መገጣጠሚ መገዲን ጠጠው ምባል ዝበሉ ሕጊታት ብምጥሓሶም ዝተቐፅዑ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ኤጀንሲ ማናጅመንት ትራፊክ ኣዲስ ኣበባ፥ ኣብታ ከተማ ዝረኣዩ ምጭንናቓት ትራፊክ ንምንካይን ድሕንነቱ ዝተሓለወ ዘበናዊ ስራዓት ትራፊክ ንምሃናፅን ካብ ዝገብሮም ስራሕቲ ምምሕያሻት ብተወሳኺ ሕጊን ደምቢን ትራፊክ ንኽኽበር ግንዛበ ናይ ምፍጣር ስራሕቲ እናሰርሐ ከምዝርከብ ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.