Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ካብ ምህርቲ ኤክስፖርት ቡን፣ ቆፅሊ ሻሂን ቅመማ ቅመምን ልዕሊ 525 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ኣታዊ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሓሙሽተ ኣዋርሕ እቲ በጀት ዓመት ካብ ምህርቲ ኤክስፖርት ቡን፣ ቆፅሊ ሻሂን ቅመማ ቅመምን ልዕሊ 525 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ኣታዊ ከምዝተረኸበ በዓል መዚ ቡንን ሻሂን ኣፍሊጡ።

ኣብ በጀት ዓመት ሓሙሽተ ኣዋርሕ 114 ሽሕን 335 ነጥቢ 63 ቶን  ምህርቲ ቡን፣ ሻሂን ቅመማ ቅመምን ብምልኣኽ፤ 367 ነጥቢ 56 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ኣታዊ ንምርካብ ተተሊሙ፤ 138 ሽሕ 552 ነጥቢ 16 ቶን ወይ ድማ 121 ሚኢታዊት ብምልኣኽ÷ 525 ነጥቢ 6 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ወይ ድማ 143 ሚኢታዊት ኣታዊ ተረኺቡ እዩ።

ኣፍፃፅምኡ ድማ ኣብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት ተመሳሳሊ እዋን ምስ ዝተለኣኸ ብመጠን እንትነፃፀር÷ 51 ሽሕ 298 ነጥቢ 87 ቶን ወይ ድማ 58 ነጥቢ 79 ሚኢታዊት፤ ብኣታዊ ድማ 244 ነጥቢ 50 ሚሊየን ዶላር ወይ ድማ 86 ነጥቢ 98 ሚኢታዊት ወሰኽ  ከምዘመዝገበ ካብቲ  በዓል መዚ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣፈፃፅማ ቡን ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ኣዋርሕ 108 ሽሕ 35 ነጥቢ 70 ቶን ቡን ብምልኣኽ 358 ነጥቢ 81 ሚኒየን ዶላር ኣሜሪካ ኣታዊ ንምርካብ ተተሊሙ 133 ሽሕ 113 ነጥቢ 74 ቶን ብምልኣኽ፤ 515 ነጥቢ 8 ሚኒየን ዶላር ኣሜሪካ ኣታዊ ተረኺቡ።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.