Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዘይሕጋዊ ምትሕልላፍ ገንዘብ ተግባር ዝተዋፈሩ ኣካላት ካብ ተግባሮም ክቑጠቡ ኣለዎም- ኣገልግሎት ድሕንነት ፋይናንስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዘይሕጋዊ ምትሕልላፍ ገንዘብ ተግባር ዝተዋፈሩ ኣካላት ካብ ተግባሮም ክቑጠቡ ኣለዎም ክብል ኣገልግሎት ድሕንነት ፋይናንስ ፌዴሪኢ ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ኣገልግሎት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ ዝተወሰኑ ኣካላት ብሽፋን ሕጋዊ ሓወላ ገንዘብ ናት ምትሕልላፍ ተግባር ይፍፅሙ ከምዘለዉ ገሊፁ።

እዚ ድማ ኢትዮጵያ ካብ ዝተፈላለዩ ፍልፍላት ክትረኽቦ ዝግበኣ ሸርፊ ወፃኢ ዘስእንን ሸርፊ ወፃኢ ኣብ ሃገራት ወፃኢ ናይ ምትራፍ ገበን ፋይናንስ ምፍፃም ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

ተቐማጥነቶም ኣብ ወፃኢ ዓዲ ብምግባር ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዘለዉ ተሓባበርቶም ብምምሽጣር ብሕጋዊ መገዲ ናብ ኢትዮጵያ ክኣቲ ዝግበኦ ሸርፊ ወፃኢ ኣብ ወፃኢ ዓዲ ብምትራፍ እቲ ክፍሊት ብናይ ኢትዮጵያ በር ዝፍፅሙ ከምዝኾኑ ሓቢሩ።

ብፍላይ ‘ኣዶሊስ’ ፣ ‘ሸጌ’፣ ሰላም ፣ ሬድ ሲ ዝተብሃሉን ኣብ ወፃኢ ዓዲ ኣብ ምትሕልላፍ ገንዘብ ዝተዋፈሩ ኣካላት ብሕጋዊ መገዲ ናብ ኢትዮጵያ ክኣቲ ዝነበረ ሸርፊ ወፃኢ ናብ ባንኪታት ኢትዮጵያ ዝለኣኹ ብምምሳል ናይ ሓሶር ብፅሒት ካርድ ብምስንዳእን ብምጥቃምን እቲ ሸርፊ ወፃኢ ኣብ ወፃኢ ዓዲ ብምትራፍ ኣብ ኢትዮጵያ ሕፅረት ሸርፊ ወፃኢን ናህሪ ናብራን ንክጋደድ  ይገብሩ ኣለዉ ኢሉ።

እቶም ኣተሓላለፍቲ ገንዘብ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዝርከቡ ተሓባበርቶም ምስ ዝኾኑ ልዕሊ 600 ፍልፍላት ገንዘብ ብብር ክፍሊት ይፍፅሙ ከምዝነበሩ ካብቲ ኣገልግሎት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ስለዝኾነ ኣብ ዘይሕጋዊ ምትሕልላፍ ገንዘብ ተግባር ዝተዋፈሩ ኣካላት ካብ ተግባሮም ክቑጠቡ ኣለዎ ኢሉ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.