Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝሓለፉ 6 ዓመታት ምዕባለ ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ዘኽእል መሰረት ተነቢሩ – ከንቲባ ተሾመ ኣዱኛ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ምዕባለ ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ዘኽእል መሰረት ከምዝተነበረ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ሸገር ተሾመ ኣዱኛ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሸገር ድሕሪ ለውጢ ዝተረኸቡ ውፅኢታት ክቕፅሉ ንምግባር ዝሕግዝ ህዝባዊ ሰልፊ እናተኻየደ ይርከብ፡፡

እቲ ሰልፊ ድጋፍ እናተኻየደ ዝርከብ÷ “ንሰላምና ዘብዒ ክንከውን ኢና! ለውጢ ክፀንዕ ክንገብር ኢና!” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ።

ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ሸገር ተሾመ ኣዱኛ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ሓበራዊ ዓቕሚ ብምድንፋዕ ምዕባለ ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ንቑሕ ተሳትፎ ኩሎም ዜጋታት ይሓትት።

“ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ምዕባለ ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ዘኽእል መሰረት ተነቢሩ ኢዩ” እውን ኢሎም።

በዚ ድማ ነበርቲ ምምሕዳር ከተማ ሸገር ካብ ሃገራዊ ልምዓት ተረባሕቲ እናኾኑ ከምዝርከቡ ብምግላፅ÷ እቲ ዝተረኸበ ልምዓት ንምፅናዕ ዘብዒ ሰላም ምዃን ከምዘድሊ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.