Fana: At a Speed of Life!

ኣዲስ ኣበባ ምትእስሳርን ብሄራዊ ተረኽን ዝተረጋገፀላ ከተማ ንምግባር ይስራሕ ኣሎ – ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣዲስ ኣበባ ምትእስሳርን ብሄራዊ ተረኽን ዝተረጋገፀላ ከተማ ንምግባር እናተሰርሕ ምዃኑ ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።

ኮንፈረንስ ኣባላት ፓርቲ ብልፅግና ኣዲስ ኣበባ “ቃል ብተግባር ንምዕባለ ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ መዘከሪ ዓወት ዓድዋ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ ኮንፈረንስ ዝተረኸቡ ኣይተ ኣደም ፋራህ ከምዝገለፁዎ÷ ፓርቲ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ፍርቂ ዘበን መረፃ ኣፈፃፅምኡ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዘዕግብ ውፅኢታት ከመዘግብ ክኢሉ፡፡

ብፍላይ ኣብ ዓውዲታት ሕርሻ፣ ሓምለዋይ ኣሰር፣ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ፣ መዓድን፣ ኣይሲቲ፣ ቱሪዝምን ካልኦት ዓውዲታትን ብዙሓት ውፅኢታት ከምዝተረኸቡ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ዘፈር ኢኮኖሚ ብዝተሳለጠ ስራሕ ድማ ኢትዮጵያ ካብ ኣፍሪካ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሓምሻይ ልዑል ፍርያት ውሽጢ ሃገር (ጂ ዲፒ) ካብ ዘለወን ሃገራት ክትስለፍ ምግባር ተኻኢሉ ኢሎም፡፡

ኣብ እሴት ሕውነት ዝቖመ ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ምህናፅን ብዝሃ ልሳን ዝኾነ ማሕበረሰብ ፖለቲካ ኣብ ምህናፅን ብዕቱብ እናተሰርሐ ከምዝኾነ እውን ኣገንዚቦም፡፡

ኣዲስ ኣበባ መርኣያ ምዕባለ ኢትዮጵያ ኢሉ እውን ኣፍሪካ ንምግባር ብትኹረትን ብምትሕብባርን እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣይተ ኣደም ኣፅንኦት ሂቦም፡፡

ብመሰረት እዚ ድማ ኣዲስ ኣበባ ምትእስሳር ተረኽ፣ ኣካታታይነት፣ ሓቛፋይ፣ ፍትሓዊነት፣ ህብረ-ብሄራዊ ሓድነትን ሕውነትን ዝዓሰላ ከተማ ንምግባር ዝተጀመረ ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሎም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.