Fana: At a Speed of Life!

ኩለመዳይ ርክብ ኢትዮጵያን ፓኪስታንን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ፓኪስታንን ዘሎ ኩለመዳይ ርክብ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክባት ወፃን ሰላምን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ገሊፁ፡፡

እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ÷ ምስ ኣምባሳደር ፓኪስታን ኣብ ኢትዮጵያ ኣቲፍ ሸሪፍ ኣብ ኩለመዳይ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብምድሃብ ተዛቲዩ፡፡

ኣካቢ እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ዲማ ኖጎ (ዶ/ር)÷ ኩለመዳይ ምትእስሳር ኢትዮጵያን ፓኪስታንን ታሪኻዊ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ህዝቢታት ክልቲአን ሃገራት ኣብ ንግዲ፣ ጥዕና፣ ኢንቨስትመንት፣ ባህሊን ስግግር ቴክኖሎጂ ብምትእስሳር ኢኮኖሚያዊ ተረባሕነቶም ከረጋግፁ ከምዝግባእ ኣልዒሎም፡፡

ኣምባሳደር ኣቲፍ ሸሪፍ ብግደኦም÷ ኣብ እተን ሃገራት ዘሎ ዲፕሎማሲያዊ ምትእስሳር ንግዲን ኢንቨስትመንትን፣ ትምህርቲ፣ ኢኮኖሚ፣ ባህሊን፣ ቱሪዝምን ንምጥንኻር ፃሪ ከምዝግበር ገሊፆም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣብ ልምዓት ዓውዲ ትምህርቲ፣ ጥዕናን ኢንቨስትመንትን ፓኪስታናውያን ሰብ ሃፍቲን ምሁራንን ብስፍሓት እናሰርሑ ከምዝርከቡ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ቀፃሊ እዚ ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከምዝሰርሕ ኣፅንኦት ምሃቦም ሓበሬታ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ የመላኽት፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.