Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝመፅእ ክረምቲ ከቢድ ዝናብ ስለዝህሉ ካብ ብሕዚኡ ካብ ሓደጋ ውሕጅ ጥንቃቐ ክግበር ይግባእ – ኢንስቲትዩት ሜቲዎሮሎጂ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝመፅእ ክረምቲ ሓደጋ ውሕጅ ከስዕብ ዝኽእል ከቢድ ዝናብ ስለዝህሉ ካብ ብሕዚኡ ንሓደጋ ውሕጅ ተቓላዕቲ ኣብ ዝኾኑ ከባቢታት ጥንቃቐ ክግበር ከምዝግባእ ኢንስቲትዩት ሜቲዎሮሎጂኢትዮጵያ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብዚ ሰሙን ዝተርኣየ መጠን ሙቐት ካብ ተፈጥሮኣዊን ሰብ ስራሕን ፍፃመታት ዝመፅአ ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ።

በዓል ሞያ ትንበያ ኩነታት ኣየርን ፀባይ ኣየርን ታምሩ ከበደ ንግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ከምዝገለፁዎ፥ ኣብ ዝመፅእ እዋን ክረምቲ ልዕሊ ስሩዕ ዝናብ ክህሉ ከምዝኽእል ተንበያታት የመላኽት።

ብምኽንያት ጠባይ ኣየር ላሊና ኣብታ ሃገር ኣብ እዋናት ፅድያን ክረምቲን ደረቕ ኣዋርሕ በዚሖም ከምዝተስተውዓሉ ዝተዛረቡ እቶም በዓል ሞያ፥ “ምስዚ ተተሓሒዙ ኣብ ዝቕፅሉ ወርሒ ሓምለን ነሓሰን ልዕሊ ስሩዕ ዝናብ ክህሉ ይኽእል ኢዩ” ኢሎም።

ከም ገለፃ እቶም በዓል ሞያ፥ ስግኣት ሓደጋ ውሕጅ ዘለዎም ከባቢታት ሕብረተሰብ ይኹኑ ትካላት ኣቐዲሞም ስራሕቲ ምክልኻል ሓደጋ ክሰርሑ ይግባእ።

ብፍላይ ንሓደጋ ውሕጅ ተቓላዕቲ ኣብ ዝኾኑ ከባቢታት፣ ወሓዝቲን ፀድፊታትን ከባቢታ ዝርከቡ ክፋላት ሕብረተሰብ ጥንኩር ስጉምቲ ጥንቃቐ ክወሰድ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.