Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክልል ትግራይ ክታበት ኮቪድ-19 ክወሃብ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጉንት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክልል ትግራይ ክታበት ኮቪድ-19 ከምዝወሃብ ቢሮ ጥዕና ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልለ ኣፍሊጡ።

ኮቢድ-19 ንምክልኻል ንኽሕግዝ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተጀመረ ክታበት ናብ ኩሎም ከባቢታት ክልል ትግራይ ንምስፋሕ ፃዕሪ እናተገበረ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ሓላፊ ቢሮ ጥዕና እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ዶክተር ሓርነት አዳነ ከምዝበሉዎ፥ ንኣገልግሎት ክታበት ዝውዕል 108 ሺሕ ዶዝ መድሓኒት ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ናብቲ ክልል ተላኢኹ ኢዩ።

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከባ ኩለን ትካላት ጥዕና ዕድሚኦም ልዕሊ 18 ዓመት ንዝኾኑ ዜጋታት ክታበት ምሃብ ከምዝተጀመረ ተዛሪቦም።

በመቐለ የተጀመረው የክትባት ዘመቻ በሽሬእንዳስላሴ፣ አክሱም፣ አዲግራት፣ ፍሬወይኒ፣ ማይጨውና አዲሽሁ ከተሞች በተያዘው ወር ውስጥ እንደሚቀጠል አስታውቀዋል

ኣብ መቐለ ዝተጀመረ ወፍሪ ክታበት፥ ኣብ ውሽጢ እዚ ወርሒ ኣብ ከተማታት ሽሬእንዳስላሴ፣ ኣኽሱም፣ ዓዲግራት፣ ፍሬወይኒ፣ ማይጨውን ዓዲሽሁን ከምዝወሃብ ኣፍሊጦም።

ናብ ኩሎም ከባቢታት እቲ ክልል ትግራይ ንምስፍሕፋሕ ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ተወሳኺ መድሓኒት ክታበት እናተፀበዩ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ፥ ምድላው ፍሪጅ መፅንሒ መድሓኒት ክታበትን ስልጠና ሰብ ሞያታትን ከምዝካየድ እውን ኣብሪሆም።

ፍልፍል፦ ግዜኢ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.