Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ ወረዳ መልካበሎ ብዘጋጠመ ሓዳጋ ትራፊክ ህይወት 13 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ነሓሰ፣ 2012 ( ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ ወረዳ መልካበሎ ብዘጋጠመ ሓዳጋ ትራፊክ ህይወት 13 ሰባት ከምዝሓለፈ ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ዞባ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ዲቪዥን ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ እቲ ኮሚሽን ኢኒስፔክተር ቶሎሳ ጎሹ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ፥ ተሸከርካሪት ፅዕነት ኣይሱዙ ትማሊ ምሸት ከባቢ ሰዓት 2 ካብ ወረዳ መልካበሎ ከተማ በሬዳ ሸቐጣ ሸቐጥ ፅዒና ከምኡ እውን 21 ሰባት ኣሳፊራ ናብ ከተማ ሃረዋጫ እንትትጓዓዝ ኣብ ከባቢ ጣቢያ ሙሊሳ ሃቃ ሓደጋ ምግልባጥ ኣጋጢሙዋ ኢዩ።

በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ሽዑ ንሽዑ ህይወት 13 ሰባት እንትሓልፍ፥ ኣብ ልዕሊ 8 ሰባት ድማ ፎኪስን ከቢድን ጉድኣት ኣካል ኣጋጢሙ ኢዩ።

እታ መኪና እናሽከርከረ ዝነበረ ሹፌር ንግዚኡ ከምዝተሰወረን ፖሊስ ክትትል እናገበረ ከምዝኾነን እውን ተሓቢሩ።

ኣብቲ ከባቢ ፀገም መገዲ ብምህላዉን ናይ ህዝቢ ኣገልግሎት ዝህባ ተሸከርከርቲ ስለዘይርከባን ሕብረተሰብ ብፅዕነት መኻይን ንምጉዓዝ ከምዝግደድ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ ድማ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ተመሳሰልቲ ሓደጋታት ይበፅሑ ከምዝነበሩ እቶም ኢኒስፔክተር ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.